ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሕዝቶን ኣፈጻጽማን ኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ


ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ
ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:40 0:00

ሚኒስትር መከላኸሊ ኢትዮጵያ ኣቶ ስራጅ ፈጌሳ ንኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ኢትዮጵያ ዝከታተል ኮማንድ ፖስት ዝባሃል ኣካል ሰክረታርያት ኮይኖም ዝመርሑ’ዮም።

ብመሰረት ንሶም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ዕላማ’ቲ ኣዋጅን ትግባረኡን ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ኩነታት ምስ ዝፍጠር ዝተሓዝሉ ኣገባብ ዝነጸረ ምኻኑ ገሊጾም።

ምስ ፓርላማ ኢትዮጵያ ጉጅለ ፈጠርቲ ራዕዲ ኢሉ ዝጎጀሎም ሓይልታት ርክብ ምፍጣር፣ ናይ’ቶም ኣሸበርቲ ዝተባህሉ ጽሑፋት ምብታን፣ ኣርመኦም ምሓዝን ምፍላጥን፣ ፈነወ ሬድዮን ቴለቭዥኖም ምክትታል፣ ብፍላይ ናይ ኢሳት፣ ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክን ካልኦት ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ሚድያታትን ምርኣይ፣ ምክትታልን ጸብጻብ ምቅራብን ክልኩል’ዩ ይብል እቲ መምርሒ።

ንመንነት ወይ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ምፍጻም ወይ ጥቃዓት ንክፍጸም ምልዕዓልን ምዝራብን ክልኩል’ዩ።

ዝኾነ ሰብ ምስ ካልኦት መንግስታት ይኹን መንግስታዊ ትካላት ተመሳጢሩ ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ንትኽተሎ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ዝጻባእ ዝኾነ ዓይነት ጋዜጣዊ መግለጺ ንሚድያታት ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ምሃብ ተኸልኪሉ’ሎ።

ዲፕሎማታት ካልኦት ሃገራት ካብ ፈቃድ ኮማንድ ፖስት ወጻኢ ካብ ኣዲሳበባ ኣርባዓ ኪ/ሜ ርሒቆም ከይጓዓዙ ተኣጊዶም ኣለው። ካልእ ምኽንያት የብሉን ስለድሕነቶም ተባሂሉ’ዩ። ሓሊፎም ክንቀሳቀሱ እንተደልዮም ኣቀዲሞም ከፍልጡ ኣለዎም ይብሉ ኣቶ ሲራጅ።

ካብ ዶብ ኢትዮጵያ 50 ኪ/ሜትሮ ንውሽጢ ቀይሕ ዞባ ተባሂሉ ተሓጺሩ’ሎ። ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ብረት ሒዝካ ምንቅስቃስ ኣይካኣልን። ኣብ ልዕሊ ትካላት ልምዓት ጉድኣት ምውራድ፣ ህውከት ምልዕዓል ክልኩል’ዩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተግበሮ ኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ዘይተጸበይዎን ዘይጠቅምን’ዩ ኢሎም ኣባል መሪሕነት መድረክን ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስን ዶ/ር መረራ ጉዲና።

እቲ መምርሒ መተግበሪ ኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ፣ ክሳብ ሎሚ ንዘይሕጋዊ ተግባራት ገንዘባዊን ንዋታዊን ሓገዝ ዘበርከተ፣ ፋምፍሌት ዝበተነ፣ ኣብ ኣድማ ዝተሳተፈን ዘለዓዓለን፣ ንሰብ ዝቀተለ፣ ንብረት ዘቃጸለ፣ ገበን ዝፈጸመን ሰብ፣ እዚ መምርሒ ካብ ዝወጸሉ ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ናብ ናብ ፖሊስ ጣቢያ ኢዱ እንተሂቡ ብመንጽር ዝፈጸሞ ገበን ተጻርዩ፣ ብኮምንድ ፖስት ትምህርቲ ተሃድሶ ተቀቢሉ ክፍታሕ ይኽእል’ዩ።

XS
SM
MD
LG