ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መብርሂ ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኼሽን  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ


​ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ
​ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ

ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ቃለ ምልልስ አካይዶም ኔሮም።

ኣብዚ ቃለ መጠይቕ ኣብ ኢትዮጵያ ተቓውሞታት ምልዓሎም፣ሞትን ማእሰርትን ከምዘጋጠመ፣ሕዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልላት ግጭት ተላዒሉ ምዝንባል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ስዒቡ ናይ ኢትዮጵያ ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ብሃንደበት ካብ ስልጣነይ ይለቅቕ ኣለኹ ምስ ምባሎም ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ’ሞ እዛ ሃገር ኣብ ፀገም እያ ዘላ ማለት ድዩ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ኣይኮነን ክብሉ መሊሶም።

“ኣይኮነን።ከምዝፍለጥ ሃገርና ንብዙሕ ዘመናት ብውልቀ መለኽቲ ስርዓታት ክትምራሕ ድሕሪ ምፅንሓ ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ናይ ዴሞክራሲ ኣፋፍነቶ ዝተርኣየሉን ምምዕባል ኣብ ዝጅምረሉ እቲ ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ብዝግባእ ስለዘይማዕበለ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታ ዝርኣየሉ ዘሎ እዩ።”

ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ድልየታት ሓዊሱ ለውጥታት ምህላዎምን ኣብ ቁጠባ ለውጢ ምስ ዝህልው ድማ ተጠቃሚ ናይ ምዃን ድልየት ኣሎ እዩ ኢሎም።ኣብ ውሽጢ እዚ መስርሕ ብልሽውና እናበዝሐ ከይዱ ፀገም ከምዝፈጥር ሓቢሮም።

“ኪራይ ኣካቢነት፣ብሓፈሻ ብልሽውና፣ብስልጣን መንግስቲ ምብዕላግ፣ከምኡ ድማ ብሽም በዓል ሃብቲ ምስ ሰበስልጣን ተፀጊዑ ዝደለዮ ዝገብር፣ንሃገር ዘይኮነስ ብውልቆም ክረብሑ ዝደልዩ ሰባት ካብ እዋን ናብ እዋን እናበዝሑ ክኸዱ ከለው ኣብ ዝኾነ ዓለም ከምዝርአ ፀገማት ዝፍጠርሉ ኩነታት ኣሎ።”

ንሶም ብምውሳኽ ናይታ ሃገር ፀገም ብዝግባእ እናወፀ ሓድነትን ሰላምን ሃገር ከምኡ እውን ህዝቢ ነሓድሕዱ ዝፋቐረሉ ብርኪ ዝበፅሐሉ ምዃኑ እዩ ዝሕብር ኢሎም ።ፀገማት ባዕሎም ምውፅኦም ግቡእ መአረምታ ንምውሳድን ካብ መስመር ዝወፁ ኣካላት ድማ ዝእለይሉ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ፣ሕቶ ህዝቢ ንምምላሽ እውን ዕድል ዝህብ እምበር ናብ ጥፍኣትን ግጭትን ዝወስድ ኣይኮነን ኢሎም።

ሰባት ብሰላም ሓቢሮም ብምንባር ኣብዝፍለጠሎም ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ግጭት እናተለዓለ፣ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብዙሕ ህዝቢ ተመዛቢሉ፣ብመዳይ ቁጠባ ድማ ዋጋ ዶላር ምውሳኹ፣ብኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ኣብ ነፃነት ፕረስን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን በብእዋኑ ዝወፁ ሓበሬታት ምንቁልቋሎም እናርኣየ እቲ ለውጢ ኣበይ እዩ ንዝብል ሕቶ ድማ ከምዚ ክብሊ መሊሶም።

“ቅድሚ ኩሉ ምንቁልቋል ዝብል ብፍላይ ሎሚ ንኢትዮጵያ ዝገልፅ ኣይኮነን።ብፍላይ ንናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ዝፈልጥ ሰብ፣ምንቁልቋል ዝብል ፈፂሙ ንኢትዮጵያ ኣይገልፃን እዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፀገማት ዝኽሕድ ሰብ የለን።እዞም ፀገማት እዚኦም ድማ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘብፅሐና እምበር ንድሕሪ ዝመልሰና ኣይኮነን።”

ዘጥረናዮ ዓቕሚ ካብዚ ንላዕሊ ንዝመፅእ ፀገም እውን ክቆፃፀርን እዚ ናብ ዕድል ዝቕይርን እዩ ዝበሉ ሚንስትር ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ናይ መንግስቲ ፀገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚን ድልየት ህዝብን ነቲ ፀገም ኣየክቐፅሎን እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መብርሂ ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኼሽን  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:51 0:00

XS
SM
MD
LG