ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ፣ሓንቲ ካብ’ተን ትሻዓተ ቀንዲ ፀላእቲ መሰላት ደቂ-ሰብ ተባሂላ።


ካልኦት ቻይና፣ኩባ፣ቱርኪምንስታን፣ በርማ፣ሰሜን ኮርያ፣ሶማልያን ልብያን ቲቤት‘ውን ተጠቂሰን'ለዋ

ኤርትራ፣ሓንቲ ካብ’ተን ትሻዓተ ቀንዲ ፀላእቲ መሰላት ደቂ-ሰብ ተባሂላ።

ኤርትራ ንመሰላት ዜጋታተን ካብ ሞንጎ ብርኡይ ዝግህሳ ተባሂለን ዝተጠቅሳ 9 ሃገራት እታ ሓንቲ ምኻና ኣብ ዋሽንግተን ዲ/ሲ ዝማእከሉ ፍሪደም ሃውስ ወይካኣ ቤተ ነፃነት ዝተባሃለ ተሓላቂ መሰላት ገሊፁ።

ኣብ‘ቲ ዝርዝር ተጠቂሰን ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ቻይና፣ኩባ፣ቱርኪምንስታን፣ በርማ፣ሰሜን ኮርያ፣ሶማልያን ልብያን‘የን።ቲቤት‘ውን ተጠቂሳ‘ላ።

ብጠንቂ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ንኡሳን ሃይማኖታት ዝገብሮ ዘየቋርፅን ከቢድን እገዳ፣ንትካል ፍትሒ‘ታ ሃገር ምቁፅፃሩን ኣሰቃቂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝትግብርን፣ደረጃ ሲቪላዊ ሓርነት ኤርትራ ኣንቆልቊሉ’ሎ ይብል ፍሪዶም ሃውስ።

እቲ ሪፖርት፣ብፍላይ ካብ ሰበ-ስልጣን ከቢድ ፀቅጢ ይወርደን ንዘሎ ንኡሳት ሃይማኖታት፣ከምኡውን ፖለቲካዊ እሱራት ንዘይተወሰነ ጊዜ ንክእሰሩ ባይታ ንዘጣጠሐ ዘፈር ፍትሒ ኤርትራ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG