ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ቅልውላው መግቢ ከምዘጋጠሞም ሕ/ሃ የጠንቅቕ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ቅልውላው መግቢ ኣጋጢሙዎም ምህላው ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ዝነብሩ 48 ሚሊዮን ሰባት ብሰንኪ ፀገም ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ኮቪድ19ን ልዑል ዋጋን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ከቢድ ፀገም ውሕስነት መግቢ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ትማሊ ሰሉስ ኣጠንቂቑ።

ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ብሰንኪ ልዑል ሙቐትን ተለዋዋጢ ዝናብን እናወሰኸ ዝኸይድ ሓደጋታት ኣጓኒፉዎም እዩ። ኵናት ዩክሬን ንሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝደኸዩ ዞባ ንሕፅረት መግብን ዘመናዊ ዱኹዒን ኣቃሊዑዎ እዩ።

ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክፍሊ ምርምር፣ ገምጋምን ኽትትልን ኣማኻሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኦሎ ሲብ "ካብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ክነእትዎ ዝነበረና 200 ሚሊዮን ቶን ብኽልተ ነገራት ተሃሲዩ ኣሎ። ሓደ ብልዑል ዋጋ መጎዓዚያ እቲ ካልኣይ ድማ ብልዑል ዋጋ ነዳዲ’’ ኢሉ።

ንሱ ብምውሳኽ እዚ ድማ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝኣትው ዋጋ መግቢ ዝውስኽ እዩ ኢሉ።

ብመሰረት ገምጋም ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ(ኦቻ)፣ ውድብ መግብን ሕርሻን ወኪል ህፃናት(ዩኒሴፍ)ን ውሑስን ዝተመጣጠነን ስሩዕ መግቢ ዘይረኽቡ ሰባት ቁጽሪ ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን 48 ሚሊዮን ሰባት ክበፅሕ ይግመት ።

ብመሰረት እቲ ገምጋምእቲ ሕፅረት መግቢ ን 16.5 ሚሊዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ከቢድ ጉድለት ኣመጋግባ ዘስዕብ እዩ ።

ብድምር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ዞባ ናይ900 ሚሊዮን ዶላር ሕፅረት ገንዘብ ኣጋጢሙዎ ኣሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG