ኣብ ዙሪያ ዓለም ዓሰርተታት ሚሊየነራት መንግስታት መጠን ግብሪ ሓፍ ከብሉዎ ዝፅውዕ ናይ ሓባር ደብዳበ ፈሪሞም ናብ መንግስታቶም ኣቕሪቦም።
ልዕሊ 80 ሚሊየነራት ዩናይትድ ስቴትስን ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራትን መንግስታቶም ግብሪ ክውስኹ ይፅውዑ ኣለው።
ፊርምኦም ካብ መንጎ ዘንበሩ ናይ ዎልት ዲዚኒ ኩባኒያ ወራሲት ዝኾነት ኣቢገይል ዲዚኒ፣ማነጂንግ ዳይረክተር ብላክሮክ ኢንኮሮፖሬት ዝነበረ ሞሪስ ፒርልን ዴንማርክ ኢራናዊ ነጋዳይ ጃፋር ሻልቺን ይርከቡዎም።
ነቲ ደብዳበ ዝፈረሙ ሚሊየነራት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዓመታት ክዘልቕ ይኽእል እዩ፤ስለዝኾነ ድማ ረድኤት በይኑ ነቲ ፅልዋ ንምምካት እኹል ኣይኮነን ይብሉ።
‘’ሃፋትም ሰባት ክርድእዎ ዘለዎም ዝመስለኒ እቲ ኣገባብ ወይ መስርሕ በቲ ዘለዎ ክኸይድ ከምዘይኽእል እዩ’’ ኢሉ ሞሪስ ’’። ኹሉ ተቓውሞ ሪኢና፤ብሰንኪ ቅልውላው ኮቪድ ሚሊዮናት ሰባት ካብ ስራሕ ወፃኢ ክኾኑ ከለው ሪኢና ኢና፤ንዓይ ሓዊሱ ኢንቨስተራት ሃፋትም ዝበለፀ ሃፋትም ንኸውን ኣለና።ኣዚዮም ሒደት ሰባት ሃፋትም ዝኾንሉ ብዙሓት ሰባት ድማ ድኻታት ይኾኑ ኣብ ዘለውሉ ምዕራፍ ኢና ንርከብ ዘለና።እዚ ኣይሰርሕን እዩ’’ ክብል ገሊፁ።
ኣሜሪካ በበዝሒ ሚሊየነራት ቁፅሪ ሓደ ትስራዕ። ብመሰረት ሓበሬታ Forbs ልዕሊ 18.5 ኣሜሪካዊያዊን ኣብ ባንኪ ኣካውንቶም ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ኣለዎም።እቶም ሃፋትም ብኣግባቡ ግብሮም ከምዘይኸፍሉ ብዙሓት ክኢላታት ይኣምኑ።ኣብ ልዕሊ ኣዚዮም ሃፋትም ዝኾኑ ጥራሕ ሰለስተ ሚታዊት ግብሪ እንተድኣ ተወሲኹዎም ኣብ ዓሰርተ ዓመት ልእሊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ክርከብ ከምዝኽእል ይኣምኑ።
ገለ ኣሜሪካዊያን ግን ኣብ ልዕሊ ሃፋትም ግብሪ ክውሰኽ ኣለዎም ኢሎም ኣይኣምኑን። ሪፓብሊካዊያን እውን ክቃወምዎ ዝፀንሑ ጉዳይ እዩ።ሃፋትም ጎኒ ንጎኒ ምኽፋል ግብሪ ክሕግዙ እንተደልዮም ካልኦት መንገድታት ከምዘለው ገለ ክኢላታት ርኢቶ ይህቡ።
ኣብ American Enterprise Institute ክኢላ ዝኾነ ጄምስ ፔቶኮኪስ ኣሜሪካዊያን ከፈልቲ ግብሪ ብቐጥታ ንምንስቴር ገንዘብ ዘወፍይሉ መስርሕ ኣሎ ይብል።
ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ 2021 ኣ\ፈ ክብረ ወሰን ዝሰብር ጉድለት በጀት ከምዘጋጥማን ሃፋትም ተወሳኺ ግብሪ ክኸፍሉ ፃውዒት ናብ ምቕራብ ዘምርሕን እዩ ይብሉ ክኢላታት ብምውሳኽ።