ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደራሲ ሚላን ኩንደራ ዓሪፉ


ተወላዲ ቸክ ሪፓብሊክን ዜጋ ፈረንሳን ዝነበረ ህቡብ ደራሲ ሚላን ኩንደራ ኣብ መበል 94 ዓመቱ ትማሊ ሰሉስ ምዕራፉ ወኪሉ ንማዕከናት ዜና ኣፍሊጡ።

ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኽብሪ ሞት ኩንደራ ናይ ደቓይቕ ስቕታ ዝኽሪ ምግባሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣንጻር ዴሳዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ መላኺ መሪሕነት ቸክ ርፓብሊክ ልዑል ነቕፌታ ዝነበሮ ኩንደራ፡ ንሃገሩ ገዲፉ ካብ 1975 ንደሓር ኣብ ፓሪስ’ዩ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ቸክ ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገርን ብምኽንያት ሞት እቲ ዓቢ ኤውሮጳዊ ደራሲ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣካፊሎም።

ኩንደራ ካብቶም ብዙሕ እዋን ንሽልማን ስነ-ጽሑፍ ኖበል ክቕበሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዝነበሩ ኣዝዮም ስሙያት ደረስቲ ኰይኑ፡ “The Unbearable Lightness of Being,” “The Joke” ዝብላ ልብ-ወለዳውያን ዝርከበን ልዕሊ ደርሰን መጽሓፍቲ ዝደረሰ’ዩ። ኩንደራ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ልብ-ወለዳዊ ስራሕ ዝነበሮ ጸብለልታ፡ “The Art of the Novel” እትብል ኢ-ልብ-ወለዳዊት መጽሓፉ’ውን ሰፊሕ ተነባብነት ዘለዋ’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG