ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያና ማይክ ፐንስ ምክትል ፕረዚደትን ኮይኑ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክሰርሕ ተረቚሑ


ሪፖብሊካዊ ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ንኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያና ማይክ ፐንስ ምክትል ፕረዚደትን ኮይኑ ምስኡ ክሰርሕ ረቑሑዎ።

ትራምፕ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ብቲወተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኢንድያና ማይክ ፐንስ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ምሳይ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ክሰርሕ ብሓጎስ ረቑሐዮ ኣለኹ ይብል።

ትራምፕ ብተወሳኺ ጽባሕ ቀዳም ነዚ ዝምልከት ጋዜጣዊ ዋዕላ ክገብር ምዃኑውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ማይክ ፐንስ ዓቃባዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘለዎ መርገጺ ምስ ናይ ትራም ዝዛመድ ከምዝኾነዩ ዝግለጽ።

ማዕከናት ዜና: ትራምፕ ናብ ፕረዚደንትነት ኣብ ዝገብሮ ጎስጓስ ሓፈሻዊ ምርጫ ንሓያሎ ፖለቲከኛታት ከም ምክትል ፕረዚደንት ኮይኖም ክምረጹ ይኽእሉዮም ኢለን ክትንበያ ምጽንሐን ይፍለጥ። ኒውት ጊንግሪችን ክሪስ ክሪስቲን ካብቶም ብተደጋጋሚ ስሞም ክልዓል ዝጸንሑ እዮም።

XS
SM
MD
LG