ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ. ሃመር ምስ መሪሕነት ግዜያዊ ምምሕዳር ተራኺቡ


 ኣምባ. ማይክ ሃመር ምስ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መቐለ
ኣምባ. ማይክ ሃመር ምስ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መቐለ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ማይክል ሃመር ሎሚ ሓሙስ 12 መስከረም 2024 ምስ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዝተራኸበን ኣብ ትግባረ ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ አመልኪቶም ምዝርራቦምን ኣቶ ጌታቸው ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ።

“ነቲ ስምምዕ ብምሉኡ ዘይምትግባሩ ዝኸፍአ ሳዕቤን ክህሉዎ’ዩ፡” ከም ዝበለ ዘመልከተ ኣቶ ጌታቸው፡ ንትግባረኡ ኣብ ባይታ ዝዕንቅጹ ዘለዉ ጉዳያት ኣመልኪቶም’ውን ምዝርራቦም ሓቢሩ። ኣምባሳድር ሃመር’ውን ብተመሳሳሊ ኣመሪካ ንትግባረ እቲ ስምምዕን ድጋፍን ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ዘለዎ እምነት ከም ዘረጋገጽሉ ሓቢሩ።

ኣምባሳር ሃመር ኣቐዲሙ’ውን ምስ ምኽtል ፕረዚደንት እቲ ግዜዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረንትስኤ ተራኺቡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምዝርራቦም ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብረቡዕ ኣካፊሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG