ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማይክ ሃመር ንቐርኒ ኣፍሪቃ ይጓዓዝ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር፡ ነቲ ዞባ ኣብ ዝሓቍፍ በበይኑ ርክባት ንምስታፍ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 6 ሰነ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ናይ ስራሕ ምብጻሕ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።

ኣምባሳድር ሃመር፡ ኣብ ጂቡቲ፡ ንጉዳይ ጸጥታ እቲ ከባቢ ኣመልኪቱ ምስ ወታሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ፣ ከምኡ’ውን ምስ ዋና ጸሓፊ ውድብ በይነ-መንግስታዊ ኢጋድ ዝዀነ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ’ውን ክራኸብ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ።

ምስ ሰብ-መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዕባለን ትግባረን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ክዝቲ ትጽቢት ዝግበሮ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ናብ መቐለ ተጓዒዙ’ውን ምስ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ክራኸብ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG