ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መቐለ በጺሑ፡ ምስ ሰብ-መዚ ይዘራረብ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘካይድዎ ዑደቱ፡ ሎሚ ሰኑይ 5 ሰነ 2023 መቐለ ኣትዩ ምስ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ሰብ መዚን ተዘራሪቡ። ዑደት ኣምባሳድር ሃመር ንፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳድር ትሬሲ ጃኮብሶን’ውን ዝሓቖፈ’ዩ።

ኣምባሳድር ማይክ ሃመር፡ ምስ ሰብ-መዚ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ርክብ ንትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምክትታል ምዃኑ ኣቐዲሙ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽአ መግለጺ የነጽር። ኣብ መቐለ፡ ምስ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ተወከልቲ እቲ ክልልን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ ምምላስ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ ንምጥፍፋእ ንሓገዝ ተባሂሉ ዝኣተወ ቀረባትን ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግባረ እቲ ስምምዕ ዘምጽኦ ዘሎ ምጕንዳብን ከም ዝተዛረረቡ ኣቶ ጌታቸው ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ።

ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ሕጂ ንኻልኣይ እዋኑ ክልል ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ኰይኑ፡ ዛጊት ግን ድሕሪ መገሻኡ ብዛዕባ ዑደቱ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና መግለጺ ኣይሃበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG