ዋሽንግተን —
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ሎሚ ሰኑይ 11 መስከረም 2023 ምስ ሰብ-መዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተራኺቡ ከም ዝዘተየ፡ ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ዘስፈሩዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።
ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ኣቐዲሙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓላፊ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ኣምባሳድር መስጋኑ ኣርጋ ሎሚ ሰኑይ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ እቲ ሚኒስትሪ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (ናይ ቅድም ትዊተር) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ቀጺሉ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ክልል ትግራይ ብምቕናዕ ምስ ፕረዚደንት መሰጋገሪ እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ውሕስነት ሰላም ኢትዮጵያን ከባቢን ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ኤክስ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዘሎ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍሊጡ።
ቅጥዒ