No media source currently available
ልዕሊ 100 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ሎሚ ረቡዕ ካብ ሞሮኮ ሓጹር ስጳኛ ሰጊሮም ምእታዎም ወሃቢ ቃል ፖሊስ’ታ ሃገር ሓቢሮም። ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ምስልታት እቶም ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ዝኣተውሉ ናይ ሓጎስ ጭርሖታት የስምዑ ከምዝነበሩን መብዛሕትኦም ነቲ ሓጹር ክሰግሩ ከለው መሓውራቶም ዝቆሰለን ዝደመየን ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።