ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓመተ 2024 ቁጽሪ ናብ ስጳኛ ንምእታው ዝሞቱ ስደተኛታት ምውሳኹ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ዓመተ 2024 ነቶም ብመገዲ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣቢሎም ናብ ስጳኛ ክኣትዉ ካብ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝበዝሐ ቁፅሪ ሞት ዝተራእየላ ዓመት'ያ ክብል ዎኪንግ ቦርደርስ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ትማሊ ረቡዕ ኣብዘውፀኦ መግለፂ ምሕባሩ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

እቲ ትካል ከምዝበሎ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እዚ ዓመት ካብ ዝሞቱ 5,054 ስደተኛታት እቶም 4,808 በቲ ሓደገኛ መገዲ ናብ ስጳኛ ክኣትው ዝፈተኑ ምዃኖም ይሕብር።

ኣብቲ ዝግበር ጉዕዞ መዓልታዊ 33 ሰባት ከምዝሞቱን 47 ሰባት ዝጸዓና ብዕንጨይቲ ዝተሰርሓ ጀላቡ ምስዋረንን እቲ ዘይመንግስታዊ ገባሪ ሰናይ ትካል ይገልፅ።

ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ደሴታት ካናሪ ጆሴ ኣንቶኒዮ ሮድሪጎዝ ቬሮና እቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ስጳኛ ንምእታው ዝጥቀምሉ መገዲ ሓደገኛን ቀታሊን ምዃኑ ተዛሪቦም።

ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ዝተረኽበ መረዳእታ ከምዘመልክቶ ኣብ ፈላሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ 2024 ናብ ስጳኛ ዝኣተው ስደተኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር ከሎ ብ259.6%% ምዕባዩ የመልክት። ክሳብ 31 ግንቦት 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን 17,117 ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ደሴታት ካናሪ ኣትዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ድማ 4,760 ምንባሮም የረድእ።

ፀብፃብ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ቁፅሪ ዝሞቱ ኣይሃበን። ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ናብ 701,000 ስደተኛታት ኣብተን ደሴታት ክበፅሑ እዩ ክብል ድማ እቲ ሚንስትሪ ትፅቢት ይገብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG