ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመተ 2022 ብመሬትን ባሕሪን ንዝሰግሩ ስደተኛታት ቀታሊት ዓመት ምንባራ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ዓመተ 2022 ብመሬትን ባሕሪን ንዝሰግሩ ስደተኛታት ቀታሊት ዓመት ምንባራ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ካብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ካብ ማእከላይ ምብራቕን ብማእከላይ ባሕሪን ብየመንን ጌሮም ናብ ኣውሮጳን ስዑዲ ዓረብን ክሰግሩ ክብሉ ኣስታት 3,800 ሰባት ከም ዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ቁጽሪ ኣብ 2021 ካብ ዝነበረ ብ11 ሚእታዊት ዝወሰኸ'ዩ። ካብ 2017 ንድሓር ድማ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ። 2017፡ 4,255 ሰባት ዝሃለቑላ ዓመት`ያ ኔራ። ኣይ-ኦ- ኤም ኣብ 2022 ካብ ዝሰነዶ 6,877 ሞት እቲ ልዕሊ ፍርቂ ባሕሪ ዘጋጠመ`ዩ።

ዳይሬክተር ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽን ኦትማን በልበሲ“ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ዘሰንብድ ሞት፡ ድሕነትን ሓለዋን ስደተኛታት ክብ ንምባል ቅልጡፍን ውሁድን ቆላሕታ ዝጠልብ`ዩ “ ኢሉ።

እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ፕሮጀክት ኣይ ኦ ኤም እቲ መስመር ስደተኛታት ወግዓዊ ሓበሬታ ክትረኽበሉ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ እቲ ቁጽሪ ሞት ካብኡ ክዓቢ ይኽእል`ዩ ይብል። ኣብ`ዚ ዝሓለፈት ዓመት 1,025 ዝኾኑ ኣብ ናይ መሬት ጉዕዞ ከለዉ ክሞቱ ክኾኑ ከለዉ፡ ዝተረፉ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ`ዮም ይብል።

ኣይ ኦ ኤም መብዛሕቲኡ እቲ ኣብ መሬት ዘጋጠመ ሞት ኣብ`ታ ብኲናት ትሕመስ የመን ክኸውን ከሎ፡ መብዛሕቲኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ብውሕዱ 795 ሰባት ኣብ መንጎ የመንን ስዑድን ሞይቶም ይብል።

ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ነቲ ንጅቡትን የመንን ዝፈሊ 31 ማይል ማለት 50 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ባብኤል መንደብ ከም ዝጥቀሙ ይግለጽ።እቲ ጉዕዞ ናብተን ሃብታም ዝብሃላ ሃገራት ወሽመጥ ንምብጻሕ ዝግበር`ዩ። ኣብ ጉዕዞ ሊብያ 117 ሰባት ከም ዝሞቱ ክግለጽ ከሎ፡ ኣብ ኣልጀርያ ድማ 54 ተመዝጊቡ`ዩ። ኣብ 2022 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥራሕ ልዕሊ 800 ሰባት ሞይቶም።

ካብ ሊባኖስ ናብ ግሪኽ ዝግበር ጉዕዞ`ውን ሞት ምስዓቡ ዝገልጽ ኣይ ኦ ኤም፡ ዝሓለፈ ዓመት 174 ኣብቲ መስመር ከም ዝሞቱ ይጠቅስ።

2022 ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ`ውን ብደሴት ካናሪ ጌርካ ናብ ስፔን ዝግበር ጉዕዞ ሞት ምስዓቡ ኣይተረፈን። ሽሕ`ኳ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመተ 2021 1,126 ሰባት ዝሃለቑላ ዝትሕት እንተኾነ 559 ሞት ተመዝጊቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG