ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-መዚ ኣመሪካን መክሲኮን ንጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ዝዘራረቡሉ፡ ቃፍላይ ስደተኛታት ኣመሪካ ንምእታው ይሕልን


ደተኛታት ዝሓዘ ቃፍላይ ኣብ 24 ታሕሳስ 2023 ዝተወስደ
ደተኛታት ዝሓዘ ቃፍላይ ኣብ 24 ታሕሳስ 2023 ዝተወስደ

ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ስደተኛታት ዝሓዘ ቃፍላይ፡ ብደቡብ መክሲኮ ኣቢሉ ንኣመሪካ ይቐንዕ ኣሎ። እዚ እናኾነ፡ መራሕቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ መክሲኮ ኣለዉ። እቶም ስደተኛታት ካብ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ዝኾነ ጽቡቕ ነገር ከም ዘይጽበዩ ይሕብሩ።

እቲ ቃፍላይ ብመክሲኮ ገይሩ ኣብ ዝሓለፈሉ፡ ሰብ-መዚ መክሲኮ ክዓግቱዎ ኣይፈተኑን።ሰብ-መዚ መክሲኮ ኣብቲ ኣስታት ሓደ ሽሕ ማይላት ወይ ድማ ንልዕሊ 1,600 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ሰጣሕ መንገዲ፡ ባዕላቶም ደኺሞም ከቋርጹ’ዮም ዝብል መምርሒ ይኽተሉ ኣለው። ዛጊት’ውን ናብ ዶባት ኣመሪካ ንምምጻእ ክንድዚ ዝኣክል ንውሓት ዝተጓዕዘ ቃፍላይ የሎን።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት መክሲኮ ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ንምዝርራብ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ተጓዓዝቲ ግን ሓሳባቶም ከም ዘይልውጡ ይሕብሩ። ካብ መንጎ ነቲ ቃፍላይ ዘወሃሃደ ልዊስ ጋርሺያ ቪላግራን ነቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ “ንቖልዓ ሰበይቲ ከም መዋገዪ ሕሱር ዕላማ ዝግበር፡” ክብል ይነጽጎ። “ዕላማ መክሲኮ ነቶም ዝሓልፉ ስደተኛታት ክትኣስር ገንዘብ ንምርካብ’ዩ፡” ዝበለ ቪላግራን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክኣትዉ ከም ዘይግባኦም ይሕብር።

ፕረዚደንት መክሲኮ ኣንድረስ ማኑወል ኦብራዶር፡ ሃገርም ነቶም ብዶብ ጓቲማላ ተጸጊዖም ዝመጽኡ ስደተኛታት ንምኽልካል ክትሰርሕ ምዃና ንሰብ-መዚ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሙን ቃል ኣትዩ ነይሩ። እንተዀነ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ናይ ምጽናሕን ምስራሕን ዕድል ንምፍጣር ኣመሪካ ተራኣ ክትጻወት ከም ዘለዋ መክሲኮ ትኣምን። ካብ መንጎ’ቲ ጠለባት ኣብ ልዕሊ ኲባን ቬነዙዋላን ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ምእላይ’ዩ።

ነቶም ካብ ዘየዕርፍ ጎንጺ ዝነቐሉ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ኣማራጺ ከም ዘይብሎም ይሕብሩ። ገለ ካብኣቶም ካብቲ ብቐጻሊ መጥቃዕቲ ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ማህደንቲ ዝገጥሞም ዜጋታት ኮሎምቢያ’ዮም። ኮሎምቢያዊ ወዲ 46 ዓመት ዲያዝ ሪዮስ“ክሳብ መወዳእታ ክበጽሕ እንተዀይነ ኣይፈልጥን። ግን ብተስፋ እጓዓዝ። ንድሕሪት ዝምለሰሉ መንገዲ የብለይን፡” ይብል።

ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ኣስታት 10-ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ዶባት ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ንምእታው ፈቲኖም ተባሂሎምን ተኣሲሮም’ዮም።

ኣመሪካ ነቲ ማዕበል ንምህዳእ ብዝብል ምኽንያት፡ ንመንገዲ ባቡር መክስኪኮ ኣመሪካ ክልተ ግዜ ዓጽያቶ ኣላ። እዚ ንሰብ-መዚ እታ ሃገር፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓደ ስጕምቲ ንኽወስዱ ድፍኢት ዝግበር’ዩ።

እቲ ቃፍላይ ብድሮ በዓል ልደት፡ ብጓቲማላ ምስ እተዳውብ ከተማ መክሲኮ’ዩ ጀሚሩ። ተጓዓዝቲ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቦም፡ ንኣመሪካ ንምእታው ብዅሉ ዓቕሞም ዝሓለኑ’ዮም።

መክሲኮ፡ ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ፡ ብዶባታ ኣቢሎም ንኣመሪካ ክሰገሩ ዝሕልኑ ኣስታት 680-ሽሕ ስደተኛታት ምምዝጋባ ትሕብር።

ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ነቶም ንስምምዕ መሕተት ዑቕባ ኣየማልኡን ኢላ ኣመሪካ ዝመለሰቶም ዜጋታት ቬነዙዋላ፡ ኒካራጓን ኲባን፡ መክሲኮ ዑቕባ ክትህቦም ተሰማሚዓ’ያ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዳለዎ ጸብጻብ ሕጂ ግን ድሕሪ ለበዳ-19 ንዝውዝሕ ዘሎ ማዕበል ስደተኛታት ብቐሊሉ ዝዕገት ኣይመስልን ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG