ኣብ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ማእከላይ ባሕሪ ሓሙሽተ ስደተኛታት ምሟቶም ናይ ጀርመን ዘይመንግስታዊ ትካል ሲዎች ሓቢሩ
ሲዎች ዝተባህለ ናይ ጀርመን ዘይመንግስታዊ ትካል 140 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም። ኣብቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶምን እቲ ትካል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። እቶም ስደተኛታት ካብታ ተጻዒኖሙላ ዝነበሩ ጀላቡ ናብ ባሕሪ ብምዝላሎም፡ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ጠፊኡ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ናብታ ናይ ጀርመን መርከብ ንምብጻሕ ዘካይድዎ ጻዕሪ ከቋርጹ ይነግርዎም ኔሮም ክብሉ አባላት ሲዎች ይኸሱ ከለው ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ድማ ነዚ ይነጽጉ።
ኢፒሶዳት
-
ግንቦት 19, 2022
ሕማማት ልቢ፤ ጠንቂን ሳዕቤናትን
-
ግንቦት 18, 2022
ትንታነ: ኣብ ጉዳይ ዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ
-
ግንቦት 18, 2022
ብድሆታትን ዕድላትን መንእሰያት ኣብ ስደት
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ