ሎሚ 29 ነሓሰ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።
እዞም ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ንምብጻሕ ኣብ ባሕሪ ይጉዓዙ ምንባሮምን ክልተ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን መራኽብ ኲናት ኢጣልያን ስጳኛን ብሓባር ብዘካየድዎ ስርሒት እቶም ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሓደጋ ምጥሓል ክድሕኑ ምኽኣሎም ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
ኣባላት ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣርምስን ካልኣይ ዘይመንግስታዊ ማሕበርን ዕስራ ጀላቡ ብምውፋር ነቶም ስደተኛታት ናብ ሓላዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣሰጋገሮሞም ኣለው።
ዓሰርተ ሰለስተ ማይል ካብ ሰሜን ሳብራታ ሊብያ ርሒቓ ኣብ ዝተረኽበት ጃልባ 700 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራ ተሓቢሩ።
ካብ ዝውለዱ ሓሙሽተ መዓልቲ ጥራይ ዝገበሩ ማናቱ ዕሸላት ኣብ ውሽጢታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮምን ብዝተገብረሎም ሓገዝ ክድሕኑ ምኽኣሎምን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።