ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አስታት 730 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ብመሰረት ሓበሬታ ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን አስታት 730 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ሰለስተ ብፕላስቲክ ዝተሰርሑ ጀልባታትን ኣርባዕተ ናይ ዕንጨይቲ ጀላቡ ትማሊ ሰንበት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ።

እቶም ፍልሰተኛታትን ስደተኛታን ‘ቮ ሆስቲኣ’ ን ‘ሉቨንታ’ ዝተባህሉ ብዘይመንግስታዊ ትካል ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ ዝወነኑ መራኽብ ምድሓኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብቲ ዘይመንግስታዊ ትካል መራሒ ሓደ ሓገዝ ወሃቢ ጉጅለ ጊልያን ሞየስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ቁጽሪ ማእኸላይ ባሕሪ ዘቋረጹ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ምውሳኹን፡ እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒታት ምስ ቁጽሪ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክመጣጠን ከምዘይኸአለን ትገልጽ።

"ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ነቶም ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ንጉዕዞ ብቑዓት ኣብ ዘይኮና ጀላቡ ልዕሊ ዓቐን ብምጽዓን ኣብ ዓለምለኸ ማያት ምስበጽሑ ብሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ከምዝድሕኑ ይገብሩ አለው እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ዝጥሕላ ጀላቡ ከምኡ’ውን ብዘይሕጋዊያን አስገርቲ ብዘይ ሞተር ተገዲፈን ዝርኸባ ጀላቡ’ውን ኣለዋ። ገለ’ውን ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ኣለው።"

ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝተረኽበ ምስሊ ሰለስተ ሰባት ንሞተር እታ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝተጻዕንዎ መርከብ ሒዞም ብፍጥነት ካብቲ ቦታ ክኸዱ የርእይ።

ብመሰረት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት መብዛሕትኦም እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ሃገራት ጋና፡ሱዳን፡ናይጀርያን ጊኒን ዝመጹ ምኳኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልያን ብዝሒ ናብ ጣልያን ዝኣትው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ18 ሚእታዊት ምውሳኹ ምሕባሮም ይዝከር።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG