ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣልያን ን11 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒና


ብውልቆም ንዝነቀሉ ቆልዑ ሓዊሱ ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ካብ ባሕሪ ከምዝዳሓኑን ኣስታት 50 ሰባት ከምዝሞቱን፣ ሓላዋ ዶባት ጣልያን ኣፍሊጡ።

ኣብ ክፍሊ ሜድትራንያን ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ትማሊ ሰሉስ ልዕሊ 4 ሽሕ፣ ሶኑይ ድማ ልዕሊ 6 ሽሕ ስደተኛታት ድሒኖም ኣለው።


ሓላዋ ዶባት ጣልያን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘እቶም ስደተኛታት ካብ 33 ጀላቡ ከምዘድሐኑ፣ እተን 27 ካብ ላስቲክ ዝተሰርሓ፣ እታ ሓንቲ ድማ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ ምኳናን’ ሓቢሩ።ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ’ታ ንኣስታት ሓደ ሽሕ መብዛሕተኦም ኤርትራዊያንን ናይጀርያዊንን ዘሳፈረት መርከብ፣ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሓረሳ ሰበ ስልጣን ጣልያን ገሊጾም። እተን ኣደታትን ሰለስቲኦም ደቀንን፣ ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓለንስተይትን፣ ኣብ ደሓን ኩነታት ኣለው።

ጣልያን ን11 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒና
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:40 0:00


መብዛሕተኦም ካብዞም ስደተኛታት ካብ ናይጀርያ፣ ኤርትራ፣ ጊኒ፣ ጋምቢያ፣ ሱዳን፣ ኣይቮሪኮስትን ሶማልያን’ዮም።

XS
SM
MD
LG