ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

160 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


160 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:07 0:00

160 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ረቡዕ ዝደሓኑ 160 ስደተኛታት ልዕሊ ዓቐን ምጽዓንን ምጽቕቓጥን ጠንቂ ሞት 13 ስደተኛታት ምኳኑ ይገልጹ።

ነቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደ “ፕሮኣክቲቭ ኦፕን ኣርምስ” ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ትካል እቶም ስደተኛታት ተጻዒኖምላ ዝነበሩ ጀልባ 13 ሬሳታት ምርኻቦም ሓቢሮም ኣለው።

ናይጀርያዊ ኡቦንጊ ኦሳስ ማይ ናብታ ጀልባ ብታሕተዋይ ወገን ክኣትው ምስ ጀመረ ብዘጋጠመ ምጽቕቓጥ ክሞቱ ከለው ገለ ድማ ናብቲ ማይ ዘሊሎም ብምእታዎም ምሟቶም ይገልጽ።

ካልእ ኣብታ ጀልባ ዝነበረ ጆን ቲማቲ ዝተባህለ ናይጀርያዊ ስደተኛ ብወገኑ እታ ጀልባ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምጽዓና ምስትንፋስ ኮነ እኹል ኣየር ምርኻብ አጸጋሚ ምንባሩ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ መንግስቲ ጣልያን ዝተረኽበ ሓበሬታ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእ መራኽቡ ኣብ ማያት ሊብያ ከምዘውፍር ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG