ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

317 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ስፔን ምድሓኖም ተሓቢሩ


እዞም ካብ ሰሜናዊ ሞሮኮ ምብጋሶም ዝተፈልጠ ስደተኛታት ኣብ ሸውዓተ ነአሽቱ መራኽብ ተጻዒኖም ከምዝነበሩ ሓለዋ ባሕሪ ስፔን ሓቢሩ’ሎ።

ካብቶም ስደተኛታት 283 ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝመጹ ክኮኑ ከለው 34 ድማ ዜጋታት ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ምኳኖም 13 ደቂ ኣንስትዮ 1 ናጽላ ህጻንን 31 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርኸብዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ቁጽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ስፔን ዝሰግሩ ስደተኛታት ምውሳኹ ዝፍለጥ ኮይኑ ትካል ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ኣብዚ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ አስታት 7,400 ስደተኛታት ናብ ውሽጢ ስፔን ምእታዎም ይገልጽ።

317 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ስፔን ምድሓኖም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:10 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንስርሒት ህይወት ኣድሕን ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብረት መርኸብ ብምኩላፍ ናብ ከተማ ትሪፖሊ ክትጉዓዝ ምእዛዞም ትገሊጹ።

እታ ‘ጎልፎ አዙሮ’ ዝተባህለት ብናይ ስፔን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢት ትካል ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ ትውነን መርከብ፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ ዘጋጠመሉ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ከምዝነበረትን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብተደጋጋሚ ሕሪ ሬድዮ ርኽብ ምክያዶም ንገዛእ ርእሱ አባል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምኳኑ ብቋንቋ እንግሊዝ ብምዝራብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምኳኖም ከምዝሓበሮምን ዝተዋህቦም ትእዛዝ እንተዘፈጺምም ዒላማ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ትእዛዝ ምሃቡ አባላት እታ መርከብ ይገልጹ።

ድሒሩ እታ መርከብ ካብ ማያት ሊብያ ክትወጽእ ትእዛዝ ብምሃብ ብመርከብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተዓጂባ ናብ ሰሜን ገጻ ምጉዓዛ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ስጉምቲ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንሰለስተ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ነቲ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘካይድዎ ስርሒት ህይወት አድሕን ደው ከምዘበልዎ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG