ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ


ሓንቲ ናይ ንግዲ መርኸብ ትማሊ ሶሉስ አስታት 500 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓና ገሊጻ። እቶም ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ ጀላቡ ተጻዒኖም ዝነበሩ ኮይኖም ኣብቲ ስርሒት ህይወት አድሕን ሸሞንተ ሬሳ ምርኻቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ድሒሮም እቶም ስደተኛታት ናብ ናይ ስፔን ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ፕሮኣክቲቫ ኦፕን ኣርምስ’ ምርኻቦምን ናብ ኢጣልያ ምምርሖምን ተገሊጹ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 94,802 ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎምን እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ኸሎ ብ11 ሚእታዊት ምውሳኹ ይገልጽ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል አስታት 2,221 ሰባት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ጥሒሎም ምሟቶም ይሕብር።

ኣስታት 500 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:22 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ ዘካየድኦ ስርሒት ህይወት አድሕን ዝምልከት ዘተዳለወ መምርሒ፡ ዘይመንግስታዊ ትካል’ሓካይም ብዘይዶብ’ን ናይ ጀርመን ‘ጁገንድ ረተት’ ምንጻጉ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ‘ሴቭ ዘ ችልድረን’ ዝአመሰሉ ካልኦት ትካላት ግን ነቲ መምርሒ ምቅባሎም ገሊጾም አለው።

ሓላፊ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ ቶምሳ ፋብሪ ነቲ መምርሒ ዝነጸጉልሉ ክልተ ዓበይቲ ምክንያት ከምዘለው ይገልጻ።

“ካብቲ መምርሒ ሓደ ኣብ ስርሒት ህይወት አድሕን ዘካይዳ መራኽብ ፖሊስ ኢጣልያ ክህልው ይብል ብተወሳኺ ካብ ሓደ መርከብ ናብ ካልእ መርኸብ ምስግጋር ስደተኛታት ከይህልው ዝብል’ዩ። ንሕና ሓካልይም እንበር ፖሊስ ኣይኮናን። ስለዚ ነዚ ኣይንቕበሎን ኢና።” ክብሉ ገሊጸን።

ንሰን ብተወሳኺ ህይወት አድሕን ስርሒት ምክያድ ደው ከምዘየብሉ’ውን ሓቢረን አለዋ።

መንግስቲ ኢጣልያ ዘቕረቦ ህይወት አድሕን ስርሒት ዘካይዳ ዘይመንግስትዊ ትካላት ክኽተልዎ ዘለዎም 13 ነጥብታት ዝሓዘ መምርሒ፡ ህይወት አድሕን ስርሒታት ንዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ምቹእ ኩነታት ይፈጥሩ አሎ ብዝብል እዩ።

እተን ትካላት እዚ መምርሒ ነቲ መስርሕ ህይወት አድሕን አጸጋሚ ዝገብር እዩ ክብሉ ክነጽጉ ከለው ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ድማ ነዚ መምርሒ ዘይተኸተላ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከምዘይኣትዋ አጠንቂቆም አለው።

እዘን ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና መራኽብ 35 ሚእታዊት ካብ ስርሒት ህይወት አድሕን እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከምዘካይዳ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG