ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ምድረ በዳ ሰሃራ ምድሓኑ ገሊጹ


ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ሰሜናዊ ኒጀር ዘካይዶ ዘሎ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒታት ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ካብ ምድረ በዳ ሰሃራ ምድሓኑ ገሊጹ።

እዞም ስደተኛታት ነቲ አሰቃቂን ሓደገኛ ጉዕዞ ምድረበዳ ናብ ሊብያ ዘካይዶ ዝነበሩ ምኳኖም’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ትካል ነዚ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒት ክሰፍሕ መደብ ከምዘለዎ ብምግላጽ እንተኾነ ዓወት’ዚ ተግባራዊ ዝኾነ ልዑኽን ኣብቲ ስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ ሓደጋን ከምዝውሰን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ግፍሒ እቲ ምድረ በዳ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምፍላጥ ከምዘይተኻእለ እንተኾነ ግን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብል እቲ ትካል ይግምት።

ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ኦሊቭያ ሄዶን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ክጭወዩ ተኽእሎ ምህላዎ ስለዚ ኣብ ልዑል ሓደጋ ምህላዎም ትገልጽ።

ንሳ ብምቅጻል ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ንስደተኛታት ጅሆ ከምዝሕዙን ኣብ ገለ እዋን ‘ውን ሕጽረት ማይ ወይ መግቢ ምስ ዘጋጥም አሰጋገርቲ ሰባት ነቶም ስደተኛታት ገዲፎም ከምዝኸዱ ትሕብር።

ነዞም ብዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ ምድረ በዳ ሰሃራ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ሰሜናዊ ኒጀር ዝርኸብ ማእከል ከምዝተወስዱን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ’ውን እቲ ትካል ከምዝሕግዝ ገሊጸን።

XS
SM
MD
LG