ዋሽንግተን —
ዘይመንግስታዊ ትካል ሜድስን ሳን ፍሮንቲንስ ትማሊ ሶሉስ ካብ ሊብያ ብወገን ሰሜን ኣብ ዓለምለኸ ማያት ማእኸላይ ባሕሪ 104 ስደተኛታት ምድሓኖም ሓቢሩ። መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ናይጀርያ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝመጹ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ናይ ዕንጨይቲ ጀላቡ ተጻዒኖም ከምዝነበሩን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ከምዝርኸብዎምን ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ዋዕላ ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ንምቕባል ሕቶ ዑቕባ ካብ ቻድን ኒጀርን ዝስደዱ ሰባት ኣብ ፓሪስ ምስምማዕም’ዩ ።