ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

104 ስደተኛታት ካብ ማያት ሊብያ ምድሓኖም ተሓቢሩ


ዘይመንግስታዊ ትካል ሜድስን ሳን ፍሮንቲንስ ትማሊ ሶሉስ ካብ ሊብያ ብወገን ሰሜን ኣብ ዓለምለኸ ማያት ማእኸላይ ባሕሪ 104 ስደተኛታት ምድሓኖም ሓቢሩ። መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ናይጀርያ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝመጹ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

104 ስደተኛታት ካብ ማያት ሊብያ ድሒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

እቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ናይ ዕንጨይቲ ጀላቡ ተጻዒኖም ከምዝነበሩን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ከምዝርኸብዎምን ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ዋዕላ ሃገራት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ንምቕባል ሕቶ ዑቕባ ካብ ቻድን ኒጀርን ዝስደዱ ሰባት ኣብ ፓሪስ ምስምማዕም’ዩ ።

XS
SM
MD
LG