ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ቀንዲ ሕመረት ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ሊብያ እያ” ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ


ፎቶ-ፋይል
ፎቶ-ፋይል

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሎቲ ሳሚ ኣብቲ ሎሚ ዓርቢ 1,400 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ፍልሰተኛታት ኣብ ወደባይት ከተማ ካታንያ ዝአተውሉ እዋን ቀንዲ ሕምረት ቀውሲ ስደተኛታት ኣውሮጳ ማእኸላይ ባሕሪ ዘይኮነ ሊብያ’ዩ ኢለን።

እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት አካል ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ልዕሊ 4,000 ሰባት ኽኮኑ ኸለው ጣልያን ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ካብ ገማግም ባሕሪ ዝብገሳ ዘይመንግስታዊ መራኽብ ክኽተልዎ ዘለዎም ስርዓት ወይ መምርሒ ረቒቅ ኣብ ዘሕለፈትሉ እዋን’ዩም እዞም ስደተኛታት ፍልሰተኛታት ጣልያን ኣትዮም።

እዚ 11 ነጥብታት ዝሓዘ ረቂቅ መምርሒ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ተደጋጋሚ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ንዘኻይዳ ትሸዓተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቻርሎቲ ሳሚ እቲ እተን ትካላት ክኽተልዎ ዝግባእ ስርዓት ወይ መምርሒ ኣብ እውን ዳሕሳስን ምድሓን ህይወትን ክህልው ዝግባእ ምትሕብባር እዘን ትካላት ንምምሓሽ እንተኾይኑ ክንቕበሎ ኢና ድሕሪ ምባል ቀንዲ ጸገም ኣብ ሊብያ ምኳኑ ብምሕባር ሃገራት ኣውሮጳ ንጣልያንን ንኣህጉር ኣፍሪቃን ዘለወን ደገፈን ከሐይላ ጸዊዓን።

“ እቲ መምርሒ ንኹሎም ወገናት ዝሓቑፍ ማለት ንዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ናይ ንግዲ መራኽብን ኣብ ስርሒት ህይወት አድሕን ዝሳተፉ ወታሃደራዊ አካላት ዘጠቓልል ኽከውን አለዎ። ሓደ ክንርስዖ ዘይግባእ ነገር ግን ቀንዲ ሕመረት እቲ ጸገም ምህላው ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘይኾነ ቅድሚኡ ዝጅምር ምኳኑ’ዩ። እቲ ቀንዲ ጸገም ነቶም ኣብ ሊብያን ኒጀርን ዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህይወቶም ኣብ ኢድ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ዘሎ’ዩ። መንግስቲ ጣልያን ዝሓቶ ዘሎ ዝሓሸ ምትሕብባር ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ንሰማማዕ ኢና። ብተወሳኺ ኣብ ሊብያ ዝሓሸ ምርግጋእን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ድማ ሰባት ክረጋግኡ ዝሕግዝ ወፍሪ የድልይ’ዩ።”

መንግስቲ ጣልያን ንዘይመንግስታዊ ትካላት ብጥርጣረ ምርኣዩ ብተወሳኺ ብአጋር ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕን ሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ምቅባልን ብዙሕ ከምዘይሰርሑ ይከስስ።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልያን ዝወጸ ሓበሬታ 85,217 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2017 ጣልያን በጺሖም፡ እዚ ድማ ካብቲ ናይ 2016 ዓ.ም ብ8.9 ሚእታዊት ዝለዓለ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG