ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 8,900 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ


ኣስታት 8,900 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:02 0:00

ኣስታት 8,900 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ ሰነ 24,2017 ዓ.ም. 8,864 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብቑዓት ብዘይኮና ጀላቡ ተጻዒኖም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእኸላይ ባሕሪ ምቁራጾም ዝገልጽ ጸብጻብ ትማሊ ሰነ 27,2017 ዓ.ም ኣውጺኡ።

ኣብ ሊብያ ዝመደበሮም ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ነቲ ህዱእ ኩነታት ባሕሪ ብምምዝማዝ ብዙሓት ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ምውፋሮም’ውን ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትካል ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ትማሊ ሶሉስ ሬሳ 24 ሰባት ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ምርካቦም ገሊጾም።

ነበርቲ ምምሕዳር ታጁራ ሊብያ እቲ ሬሳታት ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ገምገም ባሕሪ ምውጽኡ ሓቢሮም።

እቲ ቁጽሪ ሬሳታት ክውስኽ ከምዝኽእል’ውን ሰበ ስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሓቢሮም።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣስታት 700 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ሎሚ ረቡዕ ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖምን ናብ ወደባይት ከተማ ፓዘሎ ምእታዎም ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ገሊጾም።

ካብቶም ዝደሓኑ ሓንቲ ሶማልያዊት ኣደ ኣብ ጉዕዞ ምቁራጽ ማእኸላይ ባሕሪ ምውላዳን ሓገዝ ወሃብቲ ናብተን ጀላቡ ኣብ ዝበጽሕሉ ግን ንህይወት እቲ ህጻን ከትርፉ ከምዘይኸአሉ ይሕብሩ።

እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን አካል ናይቶም ብሶኑይ ሰነ 26,2017 ዓ.ም ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ 5,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ምኳኖም ገሊጾም ኣለው።

ብመሰረት ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተዋፈረ ናይ ጀርመን ሓገዝ ወሃቢ ትካል ሰለስተ ሰባት ኣብቲ ጉዕዞ ምሟቶም ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG