ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

413 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ድሒኖም


413 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ድሒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:53 0:00

413 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ድሒኖም

መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን “ዲሲቲ” ትማሊ ሰንበት 413 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኑ ገሊጹ።

እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ድሕሪ ተደጋጋሚ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ናብ ደቡባዊት ከተማ ሪጎ ካላብርያ ምብጽሖም ብተወሳኺ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብቶም ስደተኛታትን 270 ደቂ ተባዕትዮ፡ 58 ደቂ ኣንስትዮ 85 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ክኾኑ ከለው መብዛሕትኦም ዜጋታት ሃገታት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃን ባንግላዴሽ እዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልያን ማርኮ ሚኒቲ ምስ ናይ ጀርመንን ፈረንሳይ መዛንኦምን ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ሕብረት ኣውሮጳ ዲሚትሪ ኣባርማፓውሎስ ተራኺቦም ክዘራረቡ ትጽቢት ይገበር።

ገለ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ማእኸላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ጣልያን ዝበጽሑ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2017 - 220,000 ክበጽሕ’ዩ ክብሉ ይግምቱ።

XS
SM
MD
LG