ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 1,200 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ጣልያን ኣትዮም


ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 1,200 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ጣልያን ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:26 0:00

ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 1,200 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ጣልያን ኣትዮም

ጣልያን ወደባታ ንመራኽብ ህይወት አድሕን ከምትዓጽው ኣብ ዘፍለጠትሉ ጽባሕ 1,200 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ወደብ ሳሌርኖ ምእታዎም ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ማውሪዞ ማሳሪ ንኮሚሽነር ስደተኛታት ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዲመትሪ ኣቭራምፓውሎስ ልዕሊ ፍርቂ ደርዘን ዝቑጸራ መራኽብ ኣብ በበይኑ እዋን ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘድሓንዎም ስደተኛታት ኣብ ጣልያን ኣብጺሖም እዮም ድሕሪ ምባሎም ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ዝኣተው ጥራይ አስታት 10,000 እዮም ክብሉ ሓቢሮም።

ሰበ ስልጣን ጣልያን ትማሊ ሓሙስ 1,216 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብኣቶም ድማ 256 ኣላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርኸብዎም ኣብ ወደብ ላሌርኖ ምእታዎም ገሊጾም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ፈረደሪካ ሞርገረኒ ሕብረት ኣውሮጳ ንውሳኔ ጣልያን ከምዝድግፎ ብምግላጽ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ጾር ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክኻፈላ ኣለውን ኢለን።

XS
SM
MD
LG