ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሊብያ 150 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ገሊጾም


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 150 ስደተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም። ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እቶም ስደተኛታት ተጻዒኖምላ ዝነበሩ ጀልባ ብዘጋጠማ ናይ ሞተር ጸገም ክጥሕል ምስ ጀመረት ብዝበጽሖም ሓበሬታ ነቲ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒት ምክያዶም ይገልጹ።

ሰበ ስልጣን ሊብያ 150 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00

ካብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኮነሬል ዓቡ አልያ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምዚ ይብሉ።

“ሓደ ጉጅለ ስደተኛታት ኣብ ጀልባ ተጻዒኖም ረኺብና። እታ ጀልባ ግን አረጊትን ሞተረ ዘይብላን እያ ኔራ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ሳባርታ እዮም ድሒኖም ካብቶም 150 ስደተኛታት ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ቆልዑትን ይርኸብዎም።”

ብመሰረት ካብ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ንሞተረ እታ ጀልባ አውጺኦም ብምውሳድ ነቶም ስደተኛታት ገዲፎሞም ከምዝኸዱ ይሕብሩ።

እቶም ስደተኛታት ናብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝተወስዱን ኣብኡ ድሕሪ ዝተዋህቦም ናይ መግብን ህክምናን ሓገዝ ናብ መዳጎኒ ማእከል ከምዝተወስዱ ሓላፊ ክፍሊ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካፕቴን አሚን አል ቡሰቪ ገሊጾም።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ ወርሒ ጥሪ, 2017 ዓ.ም ጀሚሩ አስታት 85,000 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ጣልያን ምእታዎም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ድሕሪ ሞት መራሒ ሊብያ ነበር መሃመድ ጋዳፊ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት አልቦነት ንምስግጋር ሰባት ይጥቐምሉ ከምዘለው ብዙሓት ወገናት ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG