ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

110 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ


ኤስኦኤስ ሜዲተራንያን ዝተባህለ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 38 ኪ.ሜ ርሕቐት ትጥሕል ኣብ ዝነበረት ጀልባ ዝነበሩ 110 ስደተኛታት ምድሓኖም ሓቢሮም።

ዋንናታ ናይቲ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ዝኾነት ኣኳየስ ዝተባህለት መርከብ ኣስታት 280 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ሒዛ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሲሲሊ ምእትዋ ተሓቢሩ’ሎ።

110 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ቁጽሪ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝጎደለ እንተኾነ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ግን ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ክበጽሑ ከምዝፈተኑ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 426 ሓለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዘለው እቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።

XS
SM
MD
LG