ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

72 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ዋንነታ ናይ ሳይፕረስ ዝኾነት ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ክልተ መራኽብ ዝጉዓዙ ዝነበሩ 72 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓና ሓደ ትካል ግብረ ሰናይ ኣውሮጳ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ብርሊን ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ ቀዳም መጋቢት 3, 2018 ኣብ ክልተ መራኽብ ተጻዒኖም ዝጉዓዙ ዝነበሩ 72 ስደተኛታት ምድሓኖም ገሊጾም። ብመሰረት ሓበሬታ አባላት እቲ ትካል 30 ካብቶም ስደተኛታት ሓገዝ ረኺቦም ድሕሪ ምድሓኖም እቶም ዝተረፉ 42 ብካልእ ንእሽተይ ጀልባ ምህዳሞምን ድሒሮም ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከምዝተረኽቡ ሓቢሮም።

72 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:26 0:00

ካብቶም 30 በቲ ኣውሮጳዊ ትካል ሓገዝ ዝረኸቡ ስደተኛታት 14 አላይ ዘይብሎም ህጻናት ምዃኖምን ዝበዝሑ ድማ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ምኳኖም ተገሊጹ።

ብመሰረት ካብቶም ዝደሓኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ 21 ሰባት ምጥሓሎምን ካልኦት 90 ዝኾኑ ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ትሪፖሊ ምምላሶም ሓቢሮም።

ካብ ወርሒ ሓምሊ ጀሚሩ ቁጽሪ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ምጉዳሉን ብሕቡራት ሃገራት ዝሕገዝ መንግስቲ ሊብያ ኣብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ምቁጽጻር ክገብር ጸቕጢ ይግበረሉ ከምዘሎን ኢጣልያ’ውን ብወገና ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ቅድሚ ምብጋሶም ኣብ ምዕጋት ዝገብርዎ ጻዕርታት ዝተፈላለየ ሓገዝ ከተበርኽት ምጽንሓ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኢጣልያ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ኣብ ዘይሰብኣዊ ኩነታት ንዝጸንሑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ክተጣየስ ምጅማራ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG