ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ሬሳ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምርካቡን ናብ ወደባዊት ከተማ ኦጉስታ ሲሲሊ ትማሊ ሶሉስ ምውሳዱ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብቐዳም ጥሪ 27, 2018 ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ይፍለጥ።

አባላት እቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዱ ትካል ኤስኦኤስ ሚደተራኒ ኣስታት 83 ስደተኛታት ካብ ትጥሕል ዝነበረት ጀልባ ምድሓኖምን እንተኾነ ህይወት እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ግን ከትርፉ ከምዘይኸአሉ ይገልጹ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

አባል እቲ ትካል ዝኾነት ነርስ ኣይፊ ኒ ሙርቺኒ “ናብታ ጀልባ ኣብ ዝበጻሕናሉ ጊዜ ሰባት ድሮ ኣብቲ ባሕሪ በጺሖም እዮም ጸኒሖምና። ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዩ ኔሩ። ኣእዳዎም ዘንቀሳቀሱ፡ ዝእውዩን ንህይወቶም ዝቓለሱ ሰባት ርኢና” ክትብል ነቲ ህሞት ትገልጽ።

ንሳ ብተወሳኺ ንኣስታት 9 ሰባት ካብኣቶም እቶም 6 ህጻናት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ከምዝተገብረሎምን ሸውዓት ክድሕኑ ከለው ህይወት እተን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ግን ከትርፉ ከምዘይኸአሉ ትሕብር። እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ዘካየደ ትካል ብወገኑ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ባሕሪ ጠፊኦም ኽኮኑ ከምዝኽእሉ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብቲ ኣብ መጋቢት 4 ,2018 ዝኻየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢጣልያ ቀንዲ ዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ምኳኑ ይጥቀስ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG