ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 300 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሶሉስ ኣስታት 300 ስደተኛታት ካብ ሰለስተ ነአሽቱ ጀላቡ ምድሓኖም ሓቢሮም።

እታ ቀዳመይቲ ዝተረኽበት ጀልባ ምሉእ ንምሉእ ጥሒላ ከምዝነበረትን 16 ስደተኛታት ጥራይ ምድሓኖም፡ ካልኦት ኣስታት 50 ዝኾኑ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘለው ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኾም ኣረዲኦም።

እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ብምብራቕ ወገን ኣብ ኣስታት 121 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 3,116 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ምሟቶም ይፍለጥ።

ሊብያ ድሕሪ ሞት ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ መሓመድ ጋዳፊ ብሕጊ ኣልቦነት ምንቅስቃስ ዕጡቓት ሚሊሻ ክትሕመስ ዝጸንሓት ኮይኑ እዚ ድማ ነቶም ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ኣውሮጳ ንምብጻሕ ንሊብያ ከም መተሓላለፊ ዝጥቐምሉ ስደተኛታት ዕድል ዝህብ ምኳኑ ይፍለጥ።

ኣስታት 300 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:36 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ተበጊሶም ንጎቦታት ኣልፕስ ብምስጋር ፈረንሳ ዝበጽሑ ከምዘለው ኣብዚ ጎቦታት ወለንታዊ ስርሒት ኣብ ምንዳይ ኣፍሪቃዊያን ዝተዋፈሩ ዜጋታት ይገልጹ።

ነዚ 1,762 ብራኸ ዘለዎ ሓደገኛ 10 ኪ.ሜ ርሕቀትን ንምቁራጽ ብቑዕ ጫማ ከይሓዙ ከምዝጉዓዙ’ውን እቶም ወለንተኛታት ይሕብሩ። ስለዚ ድማ ኣብዚ ዝሑል ኩነታት ኣየር ነቲ ጉዕዞ ክፍጽሙ ዘይኸአሉ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናይ ምንዳይ ስራሕ ንምክያድ ኣብቲ ጎቦታት ከምዝተዋፈሩ ወሲኾም የረዱኡ።

ሓደ ካብቶም ወለኝተኛታት ሲሞኒ ቦብዮ ከምዚ ይብል።

“ ንዓና’ውን ኣጋጢሙ ይፈለጥ’ዩ። ኣብዚ ብዓሙቕ በረድ ዝተሸፈነ ቦታ ተሸኪልና ንቕድሚት ምስጓም ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ዝበጻሕናሉ ጊዜ አሎ። ከምኡ ድማ እዞም ስደተኛታት ሓደ ጊዜ ይዝከረኒ ሓደ ስደተኛ ክልቲኡ ጫማታቱ ኣብ በረድ ብምሽካሉ ብዘይ ጫማ ብምጉዓዙ ኣእጋሩ ክነቕጽ ከምዝጀመረ ይዝከረኒ” ይብል።

እዚ ናይዚ ኣዋርሕ ዝሑል ኩነታት ድማ ነቲ ጉዕዞ ዝያዳ በዳሂ ከምዝገብሮ ብምግላጽ እቶም ተዓዊቶም ፈረንሳ ዝበጽሑ’ውን ብፖሊስ ፈረንሳ ከምዝተሓዙ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG