ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

134 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


134 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:08 0:00

134 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን 134 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ናይ ስፔን ዘይመንግስታዊ ትካል ፕሮኣክቲቭ ኦፕን ኣርምስ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ከተማ ሳባርታ ዝተበገሱ ክኾኑ ከለው ጉዕዞ ምስ ጀመሩ ድሕሪ 24 ሰዓታት ብናይ ህይወት ኣድህን መራኽብ ሓገዝ ረኺቦም ናብ ማልታ ከምተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብቶም ስደተኛታት 26 ህጻናት ኽኮኑ ከለው እቶም 24 አላይ ዘይብሎም ህጻናት ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትማሊ ሶኑይ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ጋምቢያዊያን ስደተኛታት ብሓገዝ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ።

እዞም ስደተኛታት አካል’ቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝጀመረ ፕሮግራም ምጥያስ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዘለው ስደተኛታት ናብ ሃገሮምም ዝተመልሱ ምኳኖም’ውን ይፍለጥ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዓመተ 2017 ጥራይ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ናብ ሃገሮም ከምዘጣየሰ ገሊጹ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣውሮጳ ንምብጻሕ ምድረ በዳ ሰሃራ ብምሕላፍ ብሊብያ ኣቢሎም ማእከላይ ባሕሪ ብምቑራጽ ብዙሓት ንነዊሕ ዓመታት ክመርጽዎ ዝጸንሑ መንገዲ ኽከውን ከሎ ኣብዚ ጉዕዞ ብዝሒ ዘለዎ ስደተኛታት ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪ ምሟቶም’ውን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ብዙሓት ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝዝውተረሉ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ክጸንሑ ከምዝግደዱ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG