ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

371 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ናብ ትራፓኒ ሲሲሊ ኣትዮም


ፋይል
ፋይል

ኣስታት 371 ካብ ማእከላይ ዝደሓኑ ስደተኛታት ቀዳም መስከረም 16,2017 ዓ.ም. ናብ ከተማ ትራፓኒ ሲሲሊ ምእታዎም ዝሓበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ኤስኦኤስ ሚዲተራኒ ዋሕዚ ስደተኛታት ጎዲል’ዩ ምባል ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ።

መብዛሕትኦም ኣፍሪቃዊያን ዝኾኑ እዞም ስደተኛታት ካብ ዓለምለኸ ማያት ሊብያ ዝደሓኑ ምኳኖም እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ።

ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ ሓሙስ መስከረም 14, 2017 ዓ.ም. ብክልተ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት 262 ስደተኛታት ካብ ተጻዒኖምለን ዝነበሩ ክልተ ነአሽቱ ጀላቡ ከምዘድሓንን እቶም ዝተረፉ 109 ድማ ብሴቭዘችልድረን ትውነን መርከብ ምድሓኖምን ድሒሮም ብሓንሳብ ተሓዊሶም ኢጣልያ ምእታዎም ገሊጹ’ሎ።

371 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ናብ ትራፓኒ ሲሲሊ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:52 0:00

ካብቶም ኣብ ከተማ ትራፓኒ ዝኣተው ስደተኛታት 65 ደቂ ኣንስትዮ፡ ሸውዓተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ 48 አላይ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመን ሓደ ካብ ዝውለድ ሓደ ሰሙን ዘቑጸረ ዕሸል ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ’ሎ።

ቁጽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ዝኣትው ስደተኛታት ካብ ወርሓት ሓምለ,2017 ዓ.ም. ጀሚሩ ብ50 ሚእታዊት ምጉዳሉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ቀንዲ ምክንያታት ምጉዳል እቲ ቁጽሪ ድማ ዕጡቓት ጉጅለታት ሊብያ እቶም ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ካብ ዝኻየድ ጉዕዞ ደው ከብልዎም ብምጽንሖም ምኳኑ ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ስደተኛታት ዓለምለኸ ማያት ከይበጽሑ ንምኽልካል ስልጠና ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምሃቦም ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሰንኪ ስጉምታት ሰበ ስልጣን ሊብያ ገለ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካይዶ ዝነበሩ ዘይመንግስታዊ ትካላት ስርሓቶም ደው ከብሉ ምግዳዶም ከገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG