ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

300 ሰባት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ሰለስተ ነፍሰጹር ዝርከብዎም 300 ሰባት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ።

ሓካይም ብዘይዶብ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ 52 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎ 300 ሰባት ካብ ኣብ ዶባት ማልታ ዝርከብ ዓለምለኸ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ ካብ ዝነበሩ ሰባት ሰለስተ ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮን 77 ድማ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ከምዝርኸብዎም'ቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ኩሎም ጂዮ ኣረንትስ ብዝተባህለት ናይ ሓካይም ብዘይዶብ ህይወት ኣድሕን መርከብ ናብ ወደብ ላ ስፐዚያ ተወሲዶም።

ብመሰረት ጂዮ ኣረንትስ ካብታ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት ጀልባ ናይ ርድኡኒ ፃውዒት ምብጽሑን ነቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ድማ ሰበስልጣን ኢጣልያ ምክያዶምን ተገሊጹ'ሎ።

እታ ጀልባ ኣዚያ ተፀቓቒጣ ምንባራን ካብ ሊቢያ ካብ ትብገስ 24 ሰዓታት ኣቑጺራ ምንባራ ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝመርሐ ፉልቪያ ኮንቴ ገሊጹ።

ኣብ 2023 ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ጥራይ ልዕሊ 52-ሽሕ ሰባት ኢጣልያ ክኣትው ከለው 615 ድማ ኣብቲ ጉዕዞ ምሟቶም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG