ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:03 0:00

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ

“ሲ ዎች” ዝተባህለ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢ ትካል ጀርመን ሎሚ ሶኑይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም።

እቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ትማሊ ሰንበት ሰነ 25, 2017 ዓ.ም. ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተኻየደ ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ካብቶም ስደተኛታት ፍልሰተኛታትን 17 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ 26 ደቂ ኣንስትዮ ክኾኑ ኸለው ኣርባዕተ ድማ ነብሰ-ጾራት ዝርከብዎም ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ።

ብመሰረት ኣብ ማልታ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል ልዕሊ 30 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝጸዓና ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምብጋሰን ሓቢሮም። ከምዚ ዓይነት ክስተት ንመጀመርያ ጊዜ ምርኣዩ ብምግላጽ ምውዳእ ጾመ ረመዳን ምክንያት ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ፖሊስ ጣልያን ሰለስተ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዘርኢ ቪድዮ ምዝርግሑ ተፈሊጡ’ሎ።

እዞም ጥርጡራት ትማሊ ሰንበት ኣብ ወደባይት ከተማ ፖዛሎ ምስ ዝኣተው 267 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ምትሓዞም ተገሊጹ’ሎ።

ፖሊስ ጣልያን ብተወሳኺ ኣብ ዓመተ 2017 ጥራይ 54 ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG