ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሬሳ 11 ሰባትን 263 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምርካቦም ሓቢሮም


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ምዕራባዊ ገማግም'ታ ሃገር ሬሳ 11 ስደተኛታት ዝርከብዎ 263 ስደተኛታት ምርካቦም ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ክኾኑ ከለው ኣብ ክልተ ጀላቡ ተጻዒኖም ይጉዓዙ ከምዝነበሩ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገሊጾም።

ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ዝጉዓዙ ዝበዝሑ ስደተኛታት መበገሲ ቦታ ምኳናን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኢጣልያ ዝበጽሑ 600,000 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ምዃኖም ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ወርሒ ፍርቂ ሚያዝያ'ዚ ዓመት'ዚ 18,575 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኢጣልያ: ግሪክ ሳይፕረስን ስፔንን ምብጽሖም ይገልጽ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት እዚ ቁጽሪ ምስ ዝሓለፈ ዓመታት ክወዳደር ከሎ ትሑት ምዃኑ ይሕብር።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት ብ9 ሚእታዊት ጎዲሉ'ዩ።

ይኹን ደአ እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቁራጽ 3,116 ስደተኛታት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG