ዋሽንግተን —
ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 330 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ብምድሓን ናብ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ።
ኣብቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ብውሑዱ 31 ሬሳታት ስደተኛታት ከምዝተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይሕብር።
እዞም ስደተኛታት ብክልተ ዝተፈላለዩ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ካብ ሰለስተ ጀላቡ ኣብ ክልተ ቦታ ዝደሓኑ ምኳኖም’ውን ተገሊጹ’ሎ። እቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ልዕሊ 72 ሰዓታት ከምዝወሰደ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይገልጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ኣስታት 33,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ምቁራጽ ምሟቶም እዚ ድማ ማእከላይ ባሕሪ እቲ ዝኸፍአ ሞት ዝተራእየሉ ጉዕዞ ስደት ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣኽኢልዎ’ሎ።