ሰበ-ስልጣን ሊብያ 120 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም
ሰበ-ስልጣን ሊብያ 120 ስደተኛታት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ከተማ ትሪፖሊ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም። መብዛሕትኦም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ተጉዓዝቲ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ምኻኖምን ናብታ ጀልባ ኣብ ሰባትራ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተጻዕኑ ይሕብሩ።ሰባትራ 80 ኪ.ሜ ብወገን ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ይርኸብ። ሓንቲ ካብ ናይጀርያ ከምዝመጸት ዝሓበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብታ ጀልባ ኣስታት 20 ሰዓታት ምጽንሓ ትገልጽ። መሰረት ሓበሬታ ወኪል ዳይሬክተር ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ሊብያ ኣርባዕተ ካብ ክሊ ዕድመ 10-15 ዓመት ህጻናትን ሓደ ትሕቲ 20 መዓልታት ዕድመ ዘለዎ ውላድ ህጻን ገለ ካብቶም 120 ስደተኛታት ምዃኖም ይሕብር።
ኢፒሶዳት
-
ጥሪ 27, 2023
ቃለ-መሕትት ኣብ ጉዳይ ሕማም ሽንግልስ
-
ጥሪ 23, 2023
ዘይቲ ስምስም፤ ኣድላይነቱ ማዕረ ሃልኩ
-
ጥሪ 20, 2023
ኣባንጋል ናብ መሳርሒ ሙዚቃ ኩናማ ምስ ዘርዓመ ኣሮዲ ቶሊ
-
ጥሪ 20, 2023
“ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ጀሚሮም” መሰኻኽር ዓይኒ
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ