ሰበ-ስልጣን ሊብያ 120 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም
ሰበ-ስልጣን ሊብያ 120 ስደተኛታት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ከተማ ትሪፖሊ ትማሊ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም። መብዛሕትኦም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ተጉዓዝቲ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ምኻኖምን ናብታ ጀልባ ኣብ ሰባትራ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተጻዕኑ ይሕብሩ።ሰባትራ 80 ኪ.ሜ ብወገን ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ይርኸብ። ሓንቲ ካብ ናይጀርያ ከምዝመጸት ዝሓበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብታ ጀልባ ኣስታት 20 ሰዓታት ምጽንሓ ትገልጽ። መሰረት ሓበሬታ ወኪል ዳይሬክተር ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ስደት ሊብያ ኣርባዕተ ካብ ክሊ ዕድመ 10-15 ዓመት ህጻናትን ሓደ ትሕቲ 20 መዓልታት ዕድመ ዘለዎ ውላድ ህጻን ገለ ካብቶም 120 ስደተኛታት ምዃኖም ይሕብር።
ኢፒሶዳት
-
ሰነ 23, 2022
ናብ ከተማ መቐለ ዝካየድ ዝነበረ በረራ ሓገዝ ዝጸዓና ነፈርቲ ምቑራጹ ተገሊጹ
-
ሰነ 22, 2022
ዕላል ምስ ፖለቲከኛን ደራሲን ክብሮም በርሀ
-
ሰነ 22, 2022
መዓልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ተዘኺሩ ውዒሉ'ሎ
-
ሰነ 22, 2022
ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክልል ዓፋርን
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ