ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 122 ስደተኛታት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ምዕጋቶም ሓቢሮም


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 122 ስደተኛታት ካብ ምብራቃዊ ክፋል ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ መበገሲ ቦታ ምዕጋቶም ሓቢሮም።

እቲ ጋራቡሊ ዝጽዋዕ ቦታ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መበገሲ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋረጹ ስደተኛታት ምኳኑ ይፍለጥ።

እቶም ስደተኛታት ናብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝተመልሱን ዘድልይ ሕክምናዊ ረድኤት ከምተዋህቦም ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 122 ስደተኛታት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ምዕጋቶም ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:13 0:00

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ኢጣልያ ብዝረኽቦ ሓገዝ ገንዘብን መሳርሒን ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ናብ ኣውሮጳ ይቃለስ ምህላው ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ትሪፖሊ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ንምብጋስ ስደተኛታት ይዓግቱ ምህላዎም እንተተገልጸ ካብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ከተማን ካብ ቱኒዝያን ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ቁጽሪ ጀላቡ ግን ይውስኽ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኢጣልያ ዝበጽሑ ክኾኑ ከለው ኣስታት 12,000 ድማ ኣብዚ ጉዕዞ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

XS
SM
MD
LG