ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣፍደገ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ሰልፊ አካይዶም


ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣፍደገ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ሰልፊ አካይዶም።

እቶም ስደተኛታት ነዚ ሰልፊ ዘካየዱ መንግስቲ እስራኤል ካብ ብቅድሚ ትማሊ ሶሉስ ጀሚሩ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ፍቓደኛታት ንዘይኮኑ ኣስታት 10 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ብምውሳዱ ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ሆሎት መዳጎኒ ማእከል ናብ ሳህሮኒም ቤት ማእሰርቲ ብምጉዓዝ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ እቶም ስደተኛታት ክፈትሑ ዝጠልቡ መፈክራትን ጭርሖታትን ምስምዖም ተሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ እቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝሓለፈ ውሳነ ምጥያስ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያን ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር መፍትሒ ክሳብ ዝረኽብ ናይ መግቢ ምሕሳም አድማ የኻይዱ ምሕላዎ ሓቢሮም ኣለው።

እስራኤል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ዝኣተው እዮም ንዝበለቶም ሕቶ ዑቕብኦም ዝተነጸጉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ውሳነ ምሕላፋ ይዝከር።

መንግስቲ እዞም ስደተኛታት ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ወይ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ክገልጽ ምጽንሑ እውን ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነቶም ቀዳሞት 10 ስደተኛታት ብቅድሚ ትማሊን ትማሊን ካብ መዳጎኒ ማእከል ሆሎት ናብ ሳህሮኒም ምግዓዞም ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ስጉምቲ መንግስቲ ስዒቡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ሆሎት ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ካብ ሶሉስ ጀሚሮም ናይ መግቢ ምሕሳብ አድማ ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ሙሉብርሃን ገብረሂወት ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ኤርትራ ናብ እስራኤል ምምጽኡን ናይ ዑቕባ ሕትኡ ምንጻጉ ብምግላጽ “ ናብዚ ዝመጻእና ዑቕባ ንምርኻብ እምበር ሰሪሕና ንምህብታም ኣይኮነን” ይብል።

ንሱ መንግስቲ እስራኤል ናበየናይ ቤት ማእሰርቲ ከምዘግዕዞ’ውን ከምዘይፈልጥ ይሕብር።

ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ ዝርከቦም ገለ ዓቃባዊያን መራሕቲ እስራኤል ኣመንቲ እስልምናን ክርስትናን ዝኾኑ ስደተኛታት ንመንነት፡ባህልን ልምድን ኣይሁድ ስግኣት ዝፈጥሩ እዮም ዝብል ኣረኣእያ ከምዘለዎም ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 42,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ከምዘለው ካብዚኦም ፍርቂ ድማ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ሰብ ሓዳር ደቂ ተባዕትዮም ምኳኖም እዚ ናይ ሕጂ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምጥያስ ድማ ነዚኦም ዝምልከት ከምዘይኮነ ይሕብር።

ሰበ ስልጣን እስራኤል ናይ ስደተኛ ወረቐት ወይ ሕቶ ዑቕባ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኩሉ ከምዝጥረዝ ይገልጹ ኣለው።

XS
SM
MD
LG