ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝጸንሑ 500 ስደተኛታት ናብ ጣልያን ንምውሳድ ከምዝሰርሕ መንግስቲ ጣልያን ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝነብሩ አስታት 500 ኤርትራዊያን፣ሶማልያዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ስደተኛታት ናብ ጣሊያን ንምስግጋር ይስራሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ዜና ድማ ገፈፍቲ ዓሳ ሊቢያ ኣብዝተባለሸወት ጀልባ ብፅምእን ጥምየትን ናይ ዝሞቱ 28 ሰባት ሬሳ ምርካቦም ተፈሊጡ።

መንግስቲ ጣሊያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ሰብኣዊ መተሓላለፊ ብዝብል ሓድሽ ተበግሶ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ጣሊያን ንምስጋር ብሓባር ይሰርሑ ኣለው ክትብል ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ጆሰፊን ማኪነና ካብ ከተማ ሮማ ትገልጽ።

“መንግስቲ ጣሊያን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ገባሪ ሰናይን ትካል ካራታስ ምስ ከባቢያዊ ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ሰብኣዊ መተሓላላፊ ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ተበግሶ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት 500 ኤርትራዊያን፣ሶማሊያዊያንን ደቡብ ሱዳናዊያንን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ክሰርሑ እዮም።”

ምኽትል ሚኒስትር ወፃኢ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ምስ ልኡኻት ጣሊያን ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን ኣዚዮም ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ዝጠመተ ምዃኑ ብምሕባር ነዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሓጎስ ተቐቢልንኦ ኣለዋ።

እቲ ካብ ጣሊያን ዝመፀ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት ናይ መጀመሪያ ዳህሳሱ የካይድ ከምዘሎ እውን ተፈሊጡ’ሎ።

እዞም ገበርቲ ሰናይ ቅድሚ ሎሚ እውን ምስ መንግስቲ ጣሊያን ብምትሕብባር ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንሶሪያዊያን ስደተኛታት ናብ ጣሊያን ዘእተውዎም ክኾኑ ከለው ንኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ክወስዱ ግን ንፈለማ ግዜ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሊቢያዊያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ማያት ሰብራታ ዝተበላሸወት ጀልባ ናይ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ናይ 28 ሬሳ ምርካቦም ተፈሊጡ።ብፅምኢ ማይን ጥምየትን ዝሞቱ ይምስሉ ዝበሉ ሰበ ስልጣን ሊብያ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ኣብዝተዳለወ መቓብር ተቐቢሮም ኣለው’ውን ክብሉ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG