ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢጣልያ ዝኣትው ስደተኛታት ናብ ኣልባንያ ከምዝስደዱ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝጉዓዙ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝድሕኑ ስደተኛታት ናብ አልባንያ ከምዝላኣኹን ዘቅርብዎ ሕቶ ዑቕባ ኣብኡ መልሲ ከምዝዋሃቦን ተገሊጹ።

እቲ ኣልባንያ ኣብ ክንዲ ኢጣልያ ኮይና ተሳልጦ አሳሓሓቢ ዝተባህለ መስርሕ ዑቕባ ንኣንስትዮ፣ ቆልዑን ኣረጋዊያንን ኣይምልከትን።

ነቶም ካብ ኢጣልያ ናብ ኣልባንያ ዝላኣኹ ስደተኛታት፣ ዝሰፍሩሉ ክልተ መዓስከራት ካብ ጽባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ስርሖም ክጅምሩ ምኻኖም'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ሓተቲ ዑቕባ ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ናብ ዘይኮነት ሃገር ምልኣኽ ኣብ ኣውሮጳ ኣሳሓሓቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ጉጅለ ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢጣልያ ምስ አልባንያ ዝኸተመቶ ውዕል ንድሕንነት ስደተኛታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውድቅ እዩ ይብሉ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG