ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ካብ ኣብ ከተማ ሳባርታ ዘጋጠመ ግጭት ዝሃደሙ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሳውራ ተቐርቂሮም ምህላዎም ተሓቢሩ


ካብ ኣብ ከተማ ሳባርታ ዘጋጠመ ግጭት ዝሃደሙ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሳውራ ተቐርቂሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

ናይ ከተማ ሳውራ ናይ ህጹጽ እዋን ኮሚቴ ሓላፊ ሰዲቕ ኣል ጃያሽ እዞም ስደተኛታት ካብ ኣብ ሳባርታ ዝርኸብ መዕቖቢ ወይ መዓስከር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝመጹ ኮይኖም ካብ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ መንጎ ተቀናቐንቲ ዕጡቓት ሚሊሻ’ታ ሃገር ብዝተላዕለ ግጭት ካብታ ከተማ ዝሃደሙ እዮም ክብሉ ገሊጾም።

ኣቐዲሞም ዝሓለፈ ቀዳም 7 ጥቕምቲ,2017 ዓ.ም. ካብ መዓስከር ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝተታሕዙ ኣስታት 3,000 ስደተኛታት ናብ መዳጎኒ ማእከል ከተማ ትሪፖሊ ምውሳዶም ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን ሊብያ ዕላምኦም ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ብዝተኸአለ መጠን ነዞም ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ምጥራስ ምኳኑ ገሊጾም ኣለው።ይኹን ደአ እምበር ኣብ መስርሕ ምምላስ እዞም ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ምድንጓይ ከምዘሎ እዚ ድማ ንውሕስነት እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምኳኑ’ውን ኣይሓቡን።

ከተማ ሳባርታ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ኣውሮጳ ዝጉዓዙ ስደተኛታት መናሃሪ ምኳና ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG