ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት 74 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር ምግዓዙ ሓቢሩ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ዝሓለፈ ሰሙን 74 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር ምግዓዙ ሓቢሩ። እቶም 52 ህጻናት፡ 22 ደቂ ኣንስትዮን 1 ወዲ ተባዕታይ ዝርኸብዎም ስደተኛታት ሓሙስ ታሕሳስ 14 ለይቲ ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ወኪል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ኒጀር ኣሌሳንድራ ሞረሊ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከምዚ ትብል።

“ ሎሚ ኣብዚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ናመይ ዝተረኸብናሉ ምክንያት ነቲ ንካልኣይ ጊዜ ካብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝገዓዙ ስደተኛታት ንምቕባል እዩ። እቶም ሎሚ ንቕበሎም 74 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ኮይኖም = ዝበዝሑ አላይ ዘይብሎም ወይ ምስ ስድራ ቤቶም ዝተፈላለዩ ህጻናት እዮም። ኒጀር መሰጋገሪ እዩ ፡ እንተኾነ ኣብዚ ሓገዝ ይረኽቡ ብዝያዳ ድማ ተስፋ ክረኽቡ’ዮም።”

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዋና ከተማ ኒጀር ናመይ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ተወከልቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ተቐቢሎም ናብ ውሑስ መንበሪ ከምዝወሰድዎም ተገሊጹ’ሎ።

“ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት እዞም ስደተኛታት ውሑስን ክብሪ ዘለዎም ናብራ ክመርሑ 1,3000 ቦታታት ሓቲቱ’ሎ። እዘን ቦታታት ድማ ነቲ ሰብኣዊ ቃልሲን ሰብኣዊ ምግዕዓዝ ስደተኛታት ንምክያድ ጽቡቕ ዕድል ዝህብ’ዩ” ክብላ ወኪል ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ኣብ ኒጀር አሌሳንድራ ሞረሊ ገሊጸን።

እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ምግዕዓዝ ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ናብ ኒጀር መበል ካልኣይ ጊዜ ዝተኻየደ ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት፡ ሓተቲ ዑቕባን ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጨካን ኣተሓሕዛ ኮይኖም ምህላዎም ይፍለጥ።

በዓል ስልጣን ህዝባዊ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ኒጀር ልዊስ ዶኖቫን ብወገና ከምዚ ትብል።

“ መንግስቲ ኒጀር ነዞም ስደተኛታት ግዝያዊ ቦታ ብምፍቓዶም ብጣዕሚ ነመስግን። ብተወሳኺ ንምጥያስ እዞም ስደተኛታት ምስ ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ንዘራረብ አለና” ኢለን።

ንሳ እቲ ትካል ብተወሳኺ ስደተኛታት ንግዝያዊ መዕቖቢ ካብ ሊብያ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝግዕዝሉ መስርሕ ዝያዳ ይሰርሓሉ ምህላው’ውን ትሕብር።

ሊዊስ ደኖቫን ብተወሳኺ “ እዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይክእሉን። ኣብ ሊብያ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት እዮም ዝርከቡ፡ ክሳብ ናብዚ ዝመጽሉ ሰዓት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት እዮም ጸኒሖም ስለዚ ሃገራትን መንግስታትን ነዞም ስደተኛታት ነባሪ መፍትሒ ክሳብ ዝርኸብ መጽንሒ ከዳልው ንጽውዕ” ትብል።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣስታት 44,300 ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ከምዘለውን ካብዚኦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ 2018 ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ናብ ካልኦት ሃገራት ከምዝግዕዙ ኣፍሊጡ’ሎ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ሊብያ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ካብ ዒራቕ፡ሶርያ፡ ገለ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ኤርትራ፡ዳርፉርን ተወላዶ ኦሮሞ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ምኳኑ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG