ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ስጳኛ ዘምርሑ ዝነበሩ 20 ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሴኔጋል ጥሒሎም


ፋይል
ፋይል

እታ ናብ ኤውሮጳ ትጉዓዝ ዝነበረ ጃልባ ኣብ ወሰን ባሕሪ ሴነጋልኣብ ጥቓ ሰይንት ሉዊስዝተባህለት ከተማ ብምጥሓላ 20 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሓ ጀላቡ ተጻዒንካ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ስደተኛታት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝያዳ እንነሃረ ይምጽእ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ኣስታት 1,000 ዝኾኑ ሰባት ስጳኛ ክኣትዉ ክብሉ ከም ዝሞቱ ተጸብጺቡ`ሎ። ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሸቕሊ ኣልቦነት፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ክሊማዊ ለውጢ ምዃኑ ይግለጽ።

ሴነጋል ነዚ ወርሒ`ዚ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ብመምርሒ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ንኻልእ ግዜ ብምትሕልላፉ መዓልታዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምስ ቀጸለ`ዩ ኣብዚ ሕጂ እዋን ታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ትርከብ።

እቲ ስልጣኑ ዝመጽእ ሚያዝያ ዘብቅዕ ፕረዚደንት ሰኔጋል`ውን ዳግም ክወዳደር ክወርድ ድዩ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG