ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

38 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ብሓደጋ ጃልባ ሞይቶም


ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝጉዓዝሉ ዝተወስደ - ፋይል 14 ሓምለ 2019
ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ጅቡቲ ኣብ ዝጉዓዝሉ ዝተወስደ - ፋይል 14 ሓምለ 2019

ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝተነግሩ 38 ስደተኛታት፡ ጎዶሪያ ኣብ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ ጁቡቲ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ጃልባ ሞይቶም፣ ኣብኣ ዝነበሩ 22 ካልኦት ግን ምድሓኖም ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። እቶም ስደተኛታት ንየመን ዘቕንዑ ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢሉ ዝጽውዖ መንገዲ ሓያሎ ኢትዮጵያውያንን ሶማሊያውያንን ንወሽመጥ ዓደን፡ የመን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ንስዑዲ ዓረብ ዝሰግሩሉ መንገዲ ምዃኑ ይጠቅስ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መንገዶም ኣደዳ ክትራን፡ ማእሰርቲን ጭውያን ከም ዝዀኑ ትካል ስደኛታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ካብቲ መንገዲ ዝተጨውዩ ስደተኛታት ኣብ ኲናት የመን ተሰሊፎም ምስ ተዋጋእቲ ወገናት ክጽንበሩ ከም ዝግደዱ’ውን እቲ ትካል ይጥቅስ።

እዚ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዘለዉ 60-ሽሕ እሱራት ናብ ሃገራ ንምምላስ ኣብ እትቀረበሉ ዘላ ምዃኑ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምኽትል ሚኒስተር ብርቱካን ኣያኖ ዝምራሕ ጉጅለ ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሹ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG