ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

818 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ ሊብያ ክምለሱ ከለው ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተሓቢሩ


818 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ ሊብያ ክምለሱ ከለው ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:03 0:00

818 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ ሊብያ ክምለሱ ከለው ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ምርካቡ ተሓቢሩ ( ኣብዚ ቪድዮ ዘሰንብድ ምስሊ ብምህላው ተዓዘብቲ ክጥንቐቑ ነተሓሳስብ)

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ንእሽተይ ጀልባ ምርኻቦም ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ሬሳ እቶም ሰባት ቀዳም ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ብምብራቕ ወገን ከምዝተረኽበ ብምሕባር ሓለዋቶም ዘይተፈልጠ ብዙሓት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዘለው ይገልጹ።

ዒሳ ኣልሳርቃዊ ዝተባህለ አባል ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምዚ ይብል።

“ ኣብ ከባቢ ሰዓት 11 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ካብ ገፈርቲ ዓሳ መልእኽቲ በጺሑና። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ናብቲ ቦታ ምስ በጻሕና ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ዝሓዘት ንእሽተይ ጀልባ ኣብቲ ቦታ ረኺብና። እንተኾነ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኮነ ኣብታ ጀልባ ተጻዒኖን ዝነበሩ ተወሰኽቲ ሰባት ሓበሬታ ክንረኽብ ኣይኸአልናን።”

ብዛዕባ ኣማውታ እቶም ሰባት ኮነ ብዛዕባ እቶም ሓለዋቶም ዘይተፈልጠ ሓበሬታ ከምዘይተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይገልጽ።

ሬሳ እቶም ሸሞንተ ሰባት ኣብ ንእሽቶይ ጀልባ ከምተረኽበ ዝገለጹ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ፡ እታ ጀልባ ብገፈፍቲ ዓሳ እቲ ከባቢ ከምዝተረኽበት’ውን ሓቢሮም።

ብዝተሓሓዘ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ቀዳመ ሰንበት 818 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG