ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ናብ አውሮጳ ዝአትው ስደተኛታት ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ከምዝበጽሓ ተገሊጹ


አብ ዓመተ 2015 ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ሰጊሮም ናብ አውሮጳ ዝአተዉ ስደተኛታት ቁጽሪ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ከምዝበጽሐ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሎሚ አፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ አስታት 515 ሽሕ ዑቅባ ሓተትቲ ኩናትን ድህነትን ንማእከላይ ምብራቅን አፍሪቃን ራህሪኦም ናብ አውሮጳ አትዮም አለዉ። ካብዚአቶም 383 ሽሕ ናብ ወሰናት ባሕሪ ግሪክ እቶም ካልኦት 129 ሽሕ ጣልያን ዝአተዉ’ዮም።

ናብ አውሮፓ ከይሰገሩ ባሕሪ ዝወሓጦም ከአ ዳርጋ ሰለስተ ሽሕ እዮም። ልዕሊ ፍርቂ እቶም ናብ አውሮጳ ዝአተዎ ስደተኛታትን ሶርያዊያንዮም።

XS
SM
MD
LG